Varning!

Just nu pågår bedrägeriförsök mot patienter där personen som ringer påstår sig ringa från vårdcentralen. Vi ber aldrig patienter logga in med Bank-ID eller dylikt över telefon. Avbryt samtalet omedelbart om du blir ombedd att göra detta.

ርእይቶ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና

 

ርእይቶኻ ከም ሕሙም ወይ ድማ ናይ ሕሙም ቀረባ ዘመድ ንዝወሃብ ክንክን ጥዕና ርእይቶኻ ንኽትገልጸልና ንደሊ።እቲ እተቕርቦ ርእይቶ ንዓና ንስራሕና ብጽቡቕ ኣገልግሎት ንኽንህብብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ።

 

ሳሕቲ ዘይምዕጋብ ወይ ድማ ዘይምቕሳን ክፍጠር ስለዝኽእል፤ ንሕና ብዝተኻእለና መጠን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንኽንፈትሖ ንፍትን።

 

እንተድኣ ዝተገብረልካ ክንክን ምስዘየዕገበካ ብመጀመርያ ርክብ ምስ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ሕክምና ወይ ድማ ምስ ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ ሕክምና ርክብ ትገብር፤ ብኸመይ ኣገባብ ርክብ ንኽትገብር ኣብ ነብሲ ወከፍ ክፍሊ ሕክምና ኢንተርነት ኣሎ።

ኢቮ (ተኸታተልቲ ብዛዕባ ክንክንን ጹረትን)

 

እንተድኣ ምናልባት ሓደ ሰብ ምስዝጉዳእ፤ወይ ጉድኣት ክወርዶ ከምዝኽእል ፍርሓት ምስዝህልወካ፤ ምስ ኢቮ (ተኸታተልቲ ብዛዕባ ክንክንን ጹረትን) ርክብ ትገብር፤ሓበሬታ ወይ ክሲ ድማ ተቕርብ።

 

ኢቮ (ተኸታተልቲ ብዛዕባ ክንክንን ጹረትን) ነቲ ጎዲሉ ዘሎ ዘየዕግብ ኩነታትን ክትትል ጌሮም ነቲ ዘሎ ሸግር ንክፍሊ ክንክን ክዕረ የማሕጽኑ።