Webbplatsen använder teknik som troligen inte stöds av din webbläsare som exempelvis Internet Explorer 11. Vissa saker kan se konstiga ut eller inte fungera. Vi rekommenderar att du byter till en modern webbläsare istället.

Gå direkt till huvudinnehållet

ርእይቶ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና

 

ርእይቶኻ ከም ሕሙም ወይ ድማ ናይ ሕሙም ቀረባ ዘመድ ንዝወሃብ ክንክን ጥዕና ርእይቶኻ ንኽትገልጸልና ንደሊ።እቲ እተቕርቦ ርእይቶ ንዓና ንስራሕና ብጽቡቕ ኣገልግሎት ንኽንህብብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ።

 

ሳሕቲ ዘይምዕጋብ ወይ ድማ ዘይምቕሳን ክፍጠር ስለዝኽእል፤ ንሕና ብዝተኻእለና መጠን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንኽንፈትሖ ንፍትን።

 

እንተድኣ ዝተገብረልካ ክንክን ምስዘየዕገበካ ብመጀመርያ ርክብ ምስ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ሕክምና ወይ ድማ ምስ ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ ሕክምና ርክብ ትገብር፤ ብኸመይ ኣገባብ ርክብ ንኽትገብር ኣብ ነብሲ ወከፍ ክፍሊ ሕክምና ኢንተርነት ኣሎ።

ኢቮ (ተኸታተልቲ ብዛዕባ ክንክንን ጹረትን)

 

እንተድኣ ምናልባት ሓደ ሰብ ምስዝጉዳእ፤ወይ ጉድኣት ክወርዶ ከምዝኽእል ፍርሓት ምስዝህልወካ፤ ምስ ኢቮ (ተኸታተልቲ ብዛዕባ ክንክንን ጹረትን) ርክብ ትገብር፤ሓበሬታ ወይ ክሲ ድማ ተቕርብ።

 

ኢቮ (ተኸታተልቲ ብዛዕባ ክንክንን ጹረትን) ነቲ ጎዲሉ ዘሎ ዘየዕግብ ኩነታትን ክትትል ጌሮም ነቲ ዘሎ ሸግር ንክፍሊ ክንክን ክዕረ የማሕጽኑ።


Senast uppdaterad: 2022-09-16 14:08