Webbplatsen använder teknik som troligen inte stöds av din webbläsare som exempelvis Internet Explorer 11. Vissa saker kan se konstiga ut eller inte fungera. Vi rekommenderar att du byter till en modern webbläsare istället.

Gå direkt till huvudinnehållet

ናባና ንምምጻእ

 

ኣብዚ ኣድለይቲ ሓበሬታት ንኽትፈልጥዎ እትደልዩ ናባና ምስእትመጹ ትረኽቡ፤ ወይ ብኢንተርነት ኣብ ቀረባ ሕክምና ምስእትራኸቡና።

ቆጸራ ሓዝ

ቆጸራ ናብ እቲ እትቕመጦ ቦታ መቐበሊ ብስልኪ ወይ ብኢንተርነት ብናይ መቐበሊ ክፍሊ ክትሕዝ ትኽእል። ገሊኣተን መቐበሊ ክፍሊ ሕክምናታት ብዘይ ቆጸራ ክትመጽእ (ድሮፕ ኢን) ትኽእል። ኣብ መቐበሊ ክፍሊ ሕክምና ዝርከብ ኢንተርነት ጌረካ ብኸመይ ኣገባብ ርክብ ከምአትገብር ትረክብ።

ኣብ ዝተዋህበካ ቆጸራ ክትመጽእ ከም ዘይትኽእል ብቕድሚ 24 ሰዓት ትሕብር

ኣብቲ ዝተዋህበካ ቆጸራ ክትመጽእ ከም ዘይትኽእል ብቕድሚ 24 ሰዓት ትሕብር። ምስ መቐበሊ ክፍሊ ሕክምና ብስልኪ ወይ ብ1177 ሓባሪ ናይ ኢንተርነት ጌርካ ተመልክት።

እንተድኣ ኣብ ዝተዋህበካ ቆጸራ ከይሓበርካና ምስዘይትመጽእ፤ ስለዘይመጻእካ ከም ኣብ ቆጸራኻ መጺእካ ክትከፍሎ ዘለካ ገንዘብ ትኸፍል። ኣብ ዝተዋህበካ ቆጸራ ከይሓበርካና ምስዘይትመጽእ ዋላ ዘይክፈሎ እንተኾነ 100 ክሩኑር ትኸፍል።

ርክብ ብኣገባብ ኢንተርነት ትገብር

ኩሎም ናይ ቀረባ ክፍሊ ሕክምናታት ብ1177 ልጉባት እየን፤ ቮርድ ጋይደን ኢንተርነት ስራሕ ጌርካ ርክብ ምስ መቐበሊ ክፍሊ ሕክምና፤ ከምዘይትመጽእን/ቆጸራ ምቕያርን ፤ ወይ ድማ ንናይ ሓኪም ወረቐትካ ከተሕድስ ትኽእል። ዝተፈላለያ መቐበሊ ክፍሊ ሕክምና ዝተፈላለየ ሓገዛት ይህባ። ስራሕ ኢንተርርነት ኣብ ነብሲ ወከፍ መቐበሊ ክፍሊ ሕክምና ኢንተርነት ትረክብ።

ኩሉ ግዜ መንነት ወረቐት ሒዝካ ትመጽእ

ናብ ቀረባ ክፍሊ ሕክምና ምስትመጽእ ኩሉ ግዜ መንነት ወረቐት ሒዝካ ምምጻእ ኣለካ። ምእንቲ ናይ ንሙም ቅሳነትን ክንክንን ንኽንህብን፤ ንስኻ ምዃንካ ንምርግጋጽን። መንነትካ ብፍቓድ መዘወሪ መኪና፤ፓስፖርት ወይ ካልእ መንነት ወረቐት ከተርኢ ትኽእል።

ክፍሊት ናይ ሕማም

ኣብ መብዛሕትአን ክፍሊ ሕክምና ናይ ሕማም ክፍሊት ትኸፍል። ብዝተኻእለ መጠን ብካርድ ክትከፍል ኢና እንደሊ፤ እንተድኣ ብካርድ ክትከፍል ዘይትኽእል ኮንካ ብፋክቱራ ወይ ብጥረ ገንዘብ ትኸፍል። ዕድሜኻ ካብ 85 ዓመት ንላዕሊ ምስዝኸውን ኩሉ ምብጻሕ ናብ ሕክምና ብነጻ ይግበረልካ።

ሀግኮሰትናድስ ኩርት (ካርድ ብዙሕ ስለዝኸፈልካ ዝፍቀድ ናይ ነጻ ካርድ) ናባና ክትመጽእ እንከላኻ ሒዝካዮ ትመጽእ።


Senast uppdaterad: 2023-01-04 11:06