Webbplatsen använder teknik som troligen inte stöds av din webbläsare som exempelvis Internet Explorer 11. Vissa saker kan se konstiga ut eller inte fungera. Vi rekommenderar att du byter till en modern webbläsare istället.

Gå direkt till huvudinnehållet

መዝገብ ናይ ሕማምካ

 

ምስ ትሐምም መዝገብ ናይ ሕማም ክንክን ንኽግበረልካ ይኽፈት። ኣብዚ መዝገብ ሕማምካ ድማ ጽሑፋት ናይ ዝተገብረልካ ክንክን ይምዝገብ። መዝገብካ ንኣብነት ታሪኽ ናይ ሕማምካ፤ውጽኢት ናይ ዝገበርካዮ መርመራትን፤እንታይ ዓይነት መድሃኒት ከምእትወስድን ይገልጽ። ንስኻ ኣብ መዝገብካ ተጻሒፉ ዘሎ ንኸተንብቦ መሰል ኣለካ።

 

መዝገብ ናይ ሕማም ብኢንተርነት

 

ብ1177 ኣብ ቮርድ ጋይድ ብኢንተርነት ከፊትካ ገሊኡ ኣብ መዝገብካ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፋት ብዛዕባ ክንክንካ ካብ 1 ኖቨምበር 2016 ከተንብብ ይፍቀድ።

 

ቅዳሕ ናይ መዝገብ ሕማም ብ1177 ቮርድ ጋይድ ብኢንተርነት

 

ገሊኣትን መቐበሊ ክፍሊ ሕክምናታት መዝገብ ሕማም ቅዳሕ ንኽትወስድ ብ1177 ብናይ ቮርድ ጋይደን ኢንተርነት ስራሕ የፍቅዳልካ። ኣብ 1177 ቮርድጋይደን ኢንተርነት ስራሕ ከፊትካ ቅዳሕ መዝገብ ናይ ሕማም ትእዝዝ።እንተድኣ ክትራኸብ ምስዘይክኢልካ ፤ ቅዳሕ መዝገብ ሕማም ትእዝዝ። በዚ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ዘሎ ኣገባብ ጌርካ ክትእዝዝ ትኽእል።

 

ብኦርኒክ ወይ ብወረቐት ፤ወይ ብምኻድ ወይ ብስልኪ ክትእዝዝ ትኽእል

 

ቅዳሕ መዝገብ ሕማምካ ብፍሉይ ኦርኒክ ወይ ወረቐት መሊእካ ናብ እቲ ቅዳሕ ክልኣኸልካ ናብ እትደልዮ ክፍሊ ሕክምና ትልእኮ።

 

ብስልኪ ጌርካ እውን ቅዳሕ መዝገብ ሕማምካ ክትእዝዝ ትኽእል፤ወይ ድማ ናብ ክፍሊ ሕክምናኻ ኬድካ ቅዳሕ መዝገብ ሕማምካ ከተምጽእ ትኽእል።

 

ክፍሊትን ክንደይ ግዜ ከምዝውድእን

 

ዝወድኦ ግዜ ክሳብ ክንደይ ብዝሒ እቲ ናይ ሕማም መዝገብካን፤እቲ መዝገብካ ኣበይ ተኸዚኑ ከምዘሎን ተራ ኣለዎ። ውልቃዊ መጽናዕቲ ንነብሲ ወከፍ ዝተኣዘዘ ቅዳሕ ሕማም መዝገብ ይግበር።

 

ቅዳሕ ሕማም መዝገብ ናብ ኣድራሻኻ ይልኣኽ።

 

ንዘተላእከ ቅዳሕ ሕማም መዝገብ ይኽፈሎ።


Senast uppdaterad: 2023-01-04 11:06